ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ኣይተ ጎይትኦም ተስፋይ ህልዊ ኩነታት ማሕበር
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ኣይተ ጎይትኦም ተስፋይ ህልዊ ኩነታት ማሕበር፣ ኣብ ሕውየት ትግራይ ትገብሮ ዘላ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ሓላፍነትን ካልኦት ሓሳባትን መሰረት ብምግባር 15 ግንቦት 2017 ዓ/ም ንሚዲያታት ካብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝተወሰዱ ዓንኳር ነጥብታት፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ኣይተ ጎይትኦም ተስፋይ ህልዊ ኩነታት ማሕበር፣ ኣብ ሕውየት ትግራይ ትገብሮ ዘላ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ሓላፍነትን ካልኦት ሓሳባትን መሰረት ብምግባር 15 ግንቦት 2017 ዓ/ም ንሚዲያታት ካብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝተወሰዱ ዓንኳር ነጥብታት፡
ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ን4567 ኣባላታ ልዕሊ 833 ሚልዮን ብር ልቓሕ ከም ዝሃበት
ብሓፈሻ ድማ ልዕሊ 2.4 ቢልዮን ብር ንኣባላታ ልቓሕ ከም ዝሃበት
በዝሒ ኣባላታ ልዕሊ 38,300 ከም ዝበፅሑ
ፋና መናእሰይ መላእ ህዝቢ ትግራይ ተረባሓይ ንምግባር፤ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ሓሊፋ ናብ ገጠራት፣ ኣናእሽተይ ከተማታትን ወረዳታትን ምብፃሕ ከምዝጀመረት (ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት 9 ሓደሽቲ ጨናፍር ከም ዝኸፈተት፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ተወሰኽቲ 5 ጨናፍር ከም ትኸፍት፤ ብሓፈሻ በዝሒ ጨነፍር ፋና መናእሰይ 19 ምብፀሖም)
172 ሰራሕተኛታት ብምቁፃር ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጠረት
ማሕበራዊ ሓላፍነት ካብ ምውፃእ ኣንፃር፡ ስውኣት ተጋደልቲ ኣባላታ ዝወሰዱዎ ልቓሕ ምስ ወለዱ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሰረዘት፤ ንመፍረያይነት ዝኽልክል መጉዳእቲ ዘለዎም ተጋደልቲ ኣባላታ፣ ምስቲ ኲናት ተተሓሒዙ ብሕፅረት ምግቢ፣ መድሓኒትን ብተባራሪ ጥይት ዝሞቱ ሲቪልያን ኣባላታን ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተዓመፃ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላታን ናይ ወለድ ምሕረት ከምዝገበረት
ዘይስሩዕ ንግዲ እናሰርሓ ንዝማሓደራ ልዕሊ 400 ኣባላት ፋና ዘይኮና ፅጉማት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደ ዓመት ዝምለስ ንሕድሕደን 30 ሽሕ ብድምር ልዕሊ 12 ሚልዮን ብር ልቓሕ ከም ዝሃበት
ምኽንያት ወረፋ ልቃሕ ዝምልከት፡ ብሰንኪ ኲናት ናይ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመት ሕቶ ልቓሕ ኣባላት ብሓደ ግዘ ንምምላስ ከም ዘገደደና፣ ብዙሕ ሓታቲ ልቓሕ ከም ዘሎን ህዝቢ ካልእ ዝሓሸ ኣማራፂ ቀረብ ፋይናንስ ምስኣኑን ገሊፆም። ሐዚ ምምሕያሻት ከምዘለዉን ብቀፃልነት ድማ ተራ ልቓሕ ናብ ወርሒ ክልተ ወርሒ ንምውራድ ይስራሕ ምህላውን ገሊፆም።
ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ኣድላይ በጀት ብምምዳብ ንፅባቐ ከተማን ሓምለዋይ ከባብን ትሰርሕ ከም ዘላ (ኣብነት፡ ጅብሩኽ ከባቢ እንዳሚካኤል ዝርከብ ሓምለዋይ ጎዳና ናይ ትካል ስራሕ ውፅኢት ምኻኑ
ኣብ ሕውየት ትግራይ እጃም ፋና መናእሰይ ዓብይ ምኳኑ
ኣብ መዳይ ቴክኖሎጂ መሪሕ ኮይና ትሰርሕ ከም ዘላ (ልዕሊ 60 ሚልዮን ብር በጀት ብምምዳብ ዓበይቲ ናይ ቴክኖሎጂ ስራሕቲ ኣብ ምስላጥ ከም ትርከብ)
More News & Updates
Stay informed with the latest news and updates from SACCO Financial